Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ርክብ ዋጋ ከምትህብን ትገብሮ ሓገዝ ከምትቕፅልን ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጉንበት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ርክብ ዋጋ ከምትህብን ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ ከምትቕፅልን ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ብላድሚር ፑቲን ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት መዓልቲ ኣፍሪካ ምኽንያት ብምግባር መልእኽ እንኳ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣፍሪካውያን ኣብ ልዕሊ ባዕዳውያን ወረርቲ ዝተጎናፀፉዎ ዓወት፥ ንናፅነት፣ ሰላምን ምዕባለን ዘለዎም ድሌት ዘርኢ ከምዝኾነ ኣብ መልእኽቶም ኣብሪሆም፡፡

“ስለዝኾነ ድማ ኣፍሪካውያን ኣብ ዓውዲ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ዘደንቑ ዓወታት ኣመዝጊቦም ኢዮም” ኢሎም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዓለም ለኸ ጉዳያት እናተፃወቱዎ ዝርከቡ ግደ እናዓበየ ምምፅኡ እውን እቶም ፕሬዚዳንት ገሊፆም፡፡

ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝተጀመሩ ርክባት ሩሲያ-ኣፍሪካ ብዝበለፀ ምጥንኻር ከምዝከኣል ዝገለፁ ፕሬዚዳንት ፑቲን፥ ሃገሮም እዚ ንምትግባር ድልውቲ ከምዝኾነት ተዛሪቦም፡፡

ሕብረት ኣፍሪካን ካልኦት ዞባዊ ምትሕብባራትን ብምድንፋዕ ሓበራዊ ተረባሕነትን ውዳበን ምፍጣር ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ሩሲያ ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ርህክብ ዋጋ ከምትህብ ዝሓበሩ እቶም ፕሬዚዳንት፥ ዘይልወጥ ሓገዝ ክቕፅል ኣብ ምግባር፣ ከባቢያዊ ጎንፂታት ኣብ ምፍታሕ፣ ኣብ ምክልኻል ግብረ ራዕዲን ተመሓላለፍቲ ሕማማትን፣ ኣብ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ድሉውቲ ከምዝኾነት ምግላፆም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሩሲያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.