Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ብዝኾነ ይኹን ኩነታት ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ከምትኸውን ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ቀዋሚ ኮሚቴ ርክብ ወፃኢን ሰላምን ምስ ጉጅለ ምሕዝነት ሩሲያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዱዎ ዘተ ሩሲያ ብዝኾነ ይኹን ኩነታት ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ከምትኸውን ገሊፃ።

ሩሲያ እዚ ዝገለፀት፥ ብኣምባሳደር ኤቭጊኒ ቴሬክሂ ዝተመርሐ ኣርባዕተ ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣብ ዝተዛተዩሉ እዋን፡፡

እቶም ኣምባሳደር ከምዝበሉዎ፥ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘለትሉ ኩነታት ሃገሮም ሩሲያ ከምትግንዘብን ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ኣብ ጎና ብምዃን ልዕሊ 120 ዓማውቲ ዘቑፀረ ከልተኣዊ ርክበን ምጥንኻር ከምዝደልዩ ኣብሪሆም፡፡

ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምርዳእን ምትእምማንን ዝተመስረተ ናይ ነዊሕ እዋን ምሕዝና ከምዝኾነ እውን ቀሲኾም ሓቢሮም፡፡

ኣካቢ እቲ ቀዋሚ ኮሚተ ዶክተር ነገሪ ሌንጮ  ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ምስ ሩሲያ ዘለዋ ርክብ ንዘበናት ዝፀንሐ ከምዝኾነን ርክበን ንምጥንኻር ተሓባቢርካ ምስራሕ ከምዝግበእን ኣገንዚቦም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኲናት እናካየደት ዘይኮነስ ኣብ ወፍሪ ምኽባር ልዕልነት ሕጊን ምርግጋፅ ሰላምን ከምዝኾነት ዝገለፁ ዶክተር ነገሪ፥ ሰላም ኣብ ምኽባር ዝፍለጥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝጀመሮ ወፍሪ ብቕልጡፍ እናዛዘመ ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ናብ ዝነበረቶ ሰላም ከምትምለስ ኣብሪሆም፡፡

በዚ ድማ ሩሲያ ዝኾነ ይኹን ስግኣት ክኣትዋ ኣይግባእን ኢሎም፡፡

ርክብ ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ ኩለመዳይ ዓውዲታት ማለት እውን ኣብ ትምህርቲ፣ ኢንቨስትመንት፣ ፖለቲካን ዲፕሎማሲን ከምኡ እውን ስግግር ቴክኖሎጂን ተጠናኺሩ ዝቕፅለሉ ትኹረት ምግባር ከምዝግባእ ምግላፆ እውን ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.