Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን 389 ዒላማታት ከምዝወቕዐት ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዩክሬን ተካይዶ ኣብ ዘላ ወፍሪ መጥቃዕቲ  389 ዒላማታት ከምዝወቕዐት ኣፍሊጣ።

ዩክሬን ብግደኣ ኣብ ሰሜንን ምብራቕን ሸነኻት እታ ሃገር ዘጥቅዕ ዘሎ ሓይሊ ሩሲያ ንምዕጋት ሰራዊታ ይዋደቕ ከምዘሎ ኣፍሊጣ።

ሰራዊት ምክልኻል ሩሲያ፥ በቲ መጥቃዕቲ 15 መኽዝናት ኣፅዋር ኲናትን ወተሃደራዊ ካምፒታት ዩክሬንን ሓዊሱ 35 ወተሃደራዊ መአዘዝታት ከምዝወቕዐት ገሊፁ።

ዝተተኮሱ ሚሳኤላት መኽዝን ጠያይቲን ነዳዲ መዐደታትን ከምዘዕነዉ ተገሊፁ።

ካልአይቲ ከተማ ዩክሬን ዝኾነት ካርኪቭ ክሳብ ሐዚ ኣብ ቁፅፅር ሰራዊት ዩክሬን እኳ እንተኾነት በቢዕለቱ ብሰራዊት ሩሲያ ብከበድቲ ኣፅዋራት ትድብደብ ከምዘላ ኣር ቲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.