Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ዝዓበየት መሓዛ ንግዲ ቻይና 2022 ከምዝኾነት ዕላዊ ኮይኑ 

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 20 ዓበይቲ መሓዙት ንግዲ ቻይና ካብ ሞንጎ ዝኾና ሩሲያ ፈላመይቲ ከምዝኾነት ምምሕዳር ጉምሩኽ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ኣውሮፓውያን ኣብ ሞንጎ ሩሲያን ቻይናን ዝተፈፀመ ልውውጥ ንግዲ ብመንፅር ዝሓለፉ ዓማውቲ ዕዙዝ ከምዝበበረ ተሓቢሩ፡፡

ቤጂንግንነ ሞስኮን ኣብዚ ዓመት ዝፈፀመኦ ዕድጊት ልዕሊ 190 ቢሊየን ዶላር ከምዝነበረ ኢዩ ተገሊፁ ዘሎ።

ክልቲአን ሃገራት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 2024 ምትሕብባር ንግደን ናብ 200 ቢሊየን ዶላር ክብ ክብል ንምግባር መደብ ከምዝሓዛ ይዝከር፡፡

መደበን ኣቐዲመን ከዕውታ ብምኽኣለን÷ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ንቻይና መዘነኦም ሺ ጂንፒንግ ብመርበብ ሓበሬታ ረኺቦም ንኢዶምዎም ተባሂሉ።

ዝርዝር ሓበሬታታት ምምሕዳር ጉምሩኽ ቻይና ከምዝሕብሩዎ፤ ቤጂንግ ኣብ 2022 በጀት ዓመት 76 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ዘውፅኡ ፍርያታት ናብ ሩሲያ ልኢኻ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.