Fana: At a Speed of Life!

ሩስያ ስዊፍት ንምትካእ ዘሰናደአቶ ስርዓት መዐቀኒ ገንዘብ ንሃገራት ብሪክስ ድልዊ ከምዝኾነ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩስያ ስዊፍት ንምትካእ ዘሰናደአቶ ስርዓት መዐቀኒ ገንዘብ ንሃገራት ብሪክስ ድልዊ ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት  ቭላድሚር  ፑቲን  ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ፑቲን፥  ትካላት ፋይናንስ ደቡብ ኣፍሪካ ፣ ብራዚል፣ ህንድን ቻይናን  ምስ መተሓላለፊ ገንዘብ ሃገረን መርኻብ ከምዝኽእሉ ሓቢሮም።

ነተን ሃገራት ንምትዕድዳግ ዘኽእለ ገንዘብ ዓለም ለኻዊ “ግምጃ ቤት” ንምፅዋር ኣብ ከይዲ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

እቲ ሓዱሽ ስርዓት ምስ ስዊፍት ተመሳሳሊ ተግባርን ኣብ መንጎ ትካላት ገንዘብ መልእኽቲ ብተመሳሳሊ ምትሕልላፍ ዘኽአለ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ስርዓት ክፍሊት ሚስጢር እተን ኣባል ሃገራት ዝሕሊ ከምዝኾነ ኣር ቲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.