Fana: At a Speed of Life!

ሪፎረም ምምሕያሽ ምምሕዳርን ግልጋሎትን ኣብ ሸውዓተ ትካላት ፌዴራል ተግባራዊ ክግበር ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሪፎረም ምምሕያሽ ምምሕዳርን ግልጋሎትን ኣብ ሸውዓተ ትካላት ፌዴራል ተግባራዊ ከምዝትግበር ተግባራዊ ከምዝግበር ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ ገሊፁ፡፡

ኣብ ሪፎረም ምምሕያሽ ምምሕዳርን ግልጋሎትን መንግስቲ ብምድሃብ÷ ሚኒስቴር ገንዘብን ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስን መድረኽ ዘተ ኣካይዶም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ትሕዝቶ ሪፎረም ምምሕያሽ ግልጋሎትን ምምሕዳርን፣ ፖሊሲ፣ ማዕቐፍ ብቕዓትን ምዘናን ሰራሕተኛታት መንግስቲን ኣብ መፈፀሚ ትልሚ እቲ ፖሊሲን ንኣመራርሓ እቲ ሚኒስቴሩ ብኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ መብርሂ ተዋሂቡ፡፡

ዕላማ እቲ መመሓየሺ ሪፎርም ውዳበን ኣሰራርሓን ትካላት ብምዝማን ብክእለትን ብባህሪን ዝበቕዐ ምሕደራ ሓይሊ ሰብን ልምዓትን ብምዝርጋሕ ንሕብረተሰብ ውፅኢታዊ ግልጋሎት ብመሃብ ዕቤት ሃገር ጋህዲ ምግባር ኢዩ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ÷ ንፈተነ ትግበራ ሓደ ኮይኑ ዝተመረፀ እቲ ሚኒስቴር እቲ ሪፎርም ከፈፅም ዝኽእል ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት ብምውዳብ፣ ሃፍቲ ብምምዳብን ትልሚ ብምውፃእ ብቕልጡፍ ናብ ትግበራ ከምዝኣቱ ሓቢሮም።

ሚኒስቴር ዴኤታ ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ ሃገራዊ ሪፎርምታት ክሽከም ዝኽእል ጥንኩር ሲቪል ሰርቪስ ከምዘድሊ ብምግላፅ ሪፎርም መመሓየሺ ምሕደራ ትኹረት ዝወሃቦ ጉዳይ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ሚኒስቴር ገንዘብ ሓዊሱ ንፈተነ ኣብ ዝተመረፁ ሸውዓተ ትካላት ፌዴራል ተግባራዊ ከምዝግበር ዝገለፁ ድማ ኮሚሽነር ሲቪል ሰርቪስ መኩሪያ ኃይሌ (ዶ/ር) ምዃኖም ሓበሬታ ሚኒስቴር ገንዘብ የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.