Fana: At a Speed of Life!

ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪካ “ቢትኮይን” ተባሂሉ ዝፍለጥ ድጂታላዊ ገንዘብ ኣብታ ሃገር ሕጋዊ ክኸውን ወሲና

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ20፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ‘ቢትኮይን’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ድጂታላዊ ገንዘብ፡ ኣብታ ሃገር ሕጋዊ ክኸውን ወሲና።

እቲ ስጉምቲ፥ ኣብ ዓለም ተመሳሳሊ ውሳነ ዝወሰደት ካልኣይቲ ሃገር ክትከውን ገይሩዋ’ሎ።

ኣባላት ፓርላማ እታ ሃገር ብምሉእ ድምፂ ድሕሪ ምፅዳቖም ፕሬዚዳንት ፋውስቲን ኣርቻንግ ቱዋደራ ብወግዒ ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

ብመሰረት እዚ ቢትኮይን ምስቲ ፍራንክ ተባሂሉ ዝፍለጥ ባጤራ እታ ሃገር ብማዕረ ክሰርሕ’ዩ ተወሲኑ።

እቲ ውሳነ ንሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪካ ኣብ ካርታ ተባዓትን ወነንቲ ራእይን ዝኾና ሃገራት ዓለም ዘስፍራ’ዩ ክብል ሓደ ብዓልመዚ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ተዛሪቡ።

እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር፥ ንዓመታት ብደማዊን ኣዕናውን ኲናት ክትሕመስ ከምዝፀንሐት ይፍለጥ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.