Fana: At a Speed of Life!

160 ኪሎ ሜትር ዝሽፍንን ዝኸበደ ውድድር ጕያ ዝፈፀመት ፈላሚት ጓልኣንስተይቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ብሪጣንያዊት ጃስሚን ፓሪስ ነቲ ኣብ ዓለም ዝኸበደ ውድድር ጉያ ዝፈፀመት ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲ ኰይና።

ጃስሚን ነቲ “በርክሊ ማራቶን” ዝተሰመየ፥ 160 ኪሎ ሜትር ዝሽፍንን ልዕሊ 18 ሽሕ ሜትር ዓቐብን ቁልቁለትን ዘለዎ ውድድር ብትሕቲ 60 ሰዓታት እያ ክትዛዝሞ ክኢላ።

ንሳ፦ ነቲ ኣብ ቴነሲ ኣሜሪካ ዝካየድ ውድድር ኣብ ውሽጢ 60 ሰዓታት ክትፍፅሞ እኳ እንተነበራ 1 ደቒቕን 39 ካልኢትን ምስተረፋ እያ ዛዚማቶ።

ብኣሽሓት ዝቝፀሩ ደገፍቲ ነቲ ውድድር ኣብ ግዚኣ ክትዛዝሞ ድያ ብዝብል ሻቕሎት ብዓርቢ ብቐጥታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተኸታቲሎምዎ።

ኣብ ምዝዛም እቲ ውድድር ኣብ ከቢድ ድኻም ዝነበረት እታ ጓል ኣነስተይቲ፥ ነቲ ናይ መወዳእታ ሕንፃፅ ምስ ሰገረት ኣብ ባይታ ረፋዕ ኢላ ተራእያ።

ንደቂ ተባዕትዮ ሓዊስካ፥ ካብ 1989 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ነቲ ውድድር ብትሕቲ 60 ሰዓት ዝፈፀምዎ 20 ሰባት ጥራይ እዮም ተባሂሉ።

ጓል 40 ዓመት ጃስሚን ነቲ ውድድር ንምፍፃም፥ ኣኽራናት ክትሓኵርን ክትወርድን፣ ብፀላም ብጫካታትን ጣሻን ክትጐዪ ኔርዋ።

ጃስሚን ቅድሚ እቲ ውድድር ሓደ እዋን ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፥ “ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ በርክሊ ማራቶን ንምጕያይ ክሓስብ ፀኒሐ ኣለኹ። ኣዝዩ ከቢድ፤ ዘይከኣል ክኸውን ከምዝኽእል እፈልጥ እየ። እቲ ኣይከኣልን እዩ ኢለ ምሕሳበይ ግና ነቲ ውድድር ዝያዳ ክደልዮ ጌሩ ኣሎ” ኢላ ኔራ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እቲ ውድድር ዝተበገሰ፥ ኣብ 1977 ጀምስ ኤርል ረይ ዝተባሃለ እሱር ካብ ቤት ማእሰርቲ ንዘምለጠሉ ኵነታት ብምምርኳስ እዩ።

ብቕትለት ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣብ ማእሰርቲ ዝነበረ ጀምስ፥ ብረሺይ ማውንቴን ካብ ዝተባሃለ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምምላጡ ነዊሕ ርሕቐት እኳ እንተዘይጓዓዘ ካብ ፖሊስ ንምምላጥ ን50 ሰዓታት ኣብ ጫካ ጐይዩ ኔሩ።

ጃስሚን ቅድሚ በርክሊ ማራቶን’ውን ኣብ ካልእ ከቢድ ናይ ጐደና ጕያ ተወዳዲራ ብምዕዋት ታሪኽ ሰሪሓ እያ።

ኣደ ክልተ ቈልዑ ዝኾነት ጃስሚን፥ ኣብ 2019 ዓ.ም.ፈ 430 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ውድድር ጉያ ብ83 ሰዓትን 12 ደቓይቕን ብምዝዛም ነቲ ዝፀንሐ ክብረወሰን ብ12 ሰዓታት ምምሕያሽ ክኢላ እያ።

ንሳ ኣብቲ ውድድር ድሕሪ ምዕዋታ ኣብ ዝወፅአ ፀብፃባት፥ እታ ኣደ ኣብ መንጐ እቲ ውድድር ንዕሸል ውሉዳ ፀባ ጡብ ሓሊባ ከምዝሃበት ተገሊፁ ኔሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.