Fana: At a Speed of Life!

ሰላማዊ ሰልፊ ምንቅስቓስ ወፍሪ “የኣክል (#NoMore) ኣብ  ጃፓን ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰላማዊ ሰልፊ ምንቅስቓስ ወፍሪ “የኣክል” (#NoMore) ኣብ ጃፓን ተኻይዱ፡፡

እቲ ሰልፊ#ይኣክል ኣብ ጃፓን ቶኪዮ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ፊት ንፊት እዩ ተኻይዱ።

ኣብ ጃፓን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣባላት ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ኣብቲ ሰልፊ  ዝተሳተፉ እንትኾን÷ አሜሪካ ሓዊሱ ካልኦት ምዕራባውያን  ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገብረኦ ፅዕንቶን ኢድ ኣእታውነትን ከምዝኾነኑ ተሓቢሩ፡፡

“ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣፍጋኒስታን፣ ሶሪያ፣ ሊቢያን ካልኦት ሃገራትን ዝፈፀመቶ ተግባር፤ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ክድገም ንሕና ኢትዮጵያውያን ኣይንፈቅድን”  ክብሉ እቶም ሰልፈኛታት መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡

መራኸብቲ ሓፋሻት ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘጋውሑዎ ዘለዉ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ጠጠው ንኸብሉ ፃውዒት ከምዝቐረበን ኢትዮጵያ ዘጋጠምዋ ፈተናታት ብዓወት ከምትሰግሮን ዘመላኽቱ ጭርሖታት እውን ኣብቲ ሰልፊ ተሰሚዖም፡፡

መተሓባበርቲ  ሰልፊ ድማ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ትገብሮ ዘላ ጽዕንቶን ኢድ ኣእታውነትን ጠጠው ንኽተብል ዘተሓሳስብ ደብዳቤ ኣብ ቶኪዮ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ምእታዎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.