Fana: At a Speed of Life!

ሰላም ንምሕላው ንዘተ ቅድሚት ምሃብ ወሳኒ ኢዩ – ኣምባሳደር ምስጋኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ኣብ ክልተኣዊ ርክብን እዋናዊ ጉዳያትን ምስ ሓጋዚ ሚኒስትር ጎንፂን ስራሕቲ ምርግጋእን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኤን ዊኮክሲ ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣብ ዘተኦም÷ ርክብ ክልቲአን ሃገራትን ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባርን ንምስፋሕ ክልተኣዊ ርክብ ምግምጋም ዘለዎ ረብሓ ኣመልኪቶም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓበራዊ ምርድዳእ ብዝተማለአ መልክዑ ተግባራዊ ንምግባርን ኣብ ክልል ትግራይ መሰረተ ልምዓታት መሊስካ ንምህናፅን ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ጋህዲ ንምግባር ዘሎ ቆራፅነትን ገሊፆም፡፡

ብጎንፂ ዝተጎድኡ ዜጋታት ንምሕጋዝን ንምጥያሽን መንግስቲ ድሌት ከምዘለዎ እውን እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ብምሕባር፤ ሰላም ንምሕላው ንልዝብ ቅድሚት ምሃብ ወሳኒ ኢዩ ምባሎም ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ የመላኽት፡፡

ሓጋዚ ሚኒስትር ኤን ዊኮክሲ ብግደኦም÷ ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ኢኮኖሚያዊ ርክብ ንምስፋሕ ዋጋ ከምትህብ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.