Fana: At a Speed of Life!

ሰሜን ኮሪያ ተወሳኺ ፈተነ ሚሳኤል ሎሚ ንጎሆ ኣካይዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት 13፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰሜን ኮሪያ ተወሳኺ ፈተነ ሚሳኤል ከምዘካየደት ተገሊፁ።

ፒዮንግያንግ ኣብ ወሰን ምብራቓዊ ባሕሪ ፈተነ ሓፂር ርሕቐት ባለስቲክ ሚሳኤል ከምዝገበረት ሰብ መዚ ደቡብ ኮሪያ ተዛሪቦም።

ሰራዊት ደቡብ ኮሪያ እውን ንክልቲኦም ፈተነታት ሚሳኤል አውጊዙ።

እቶም ሚሳኤላት ሎሚ ንጎሆ ብሸነኽ ሰሜናዊ ኣንፈት ዋና ከተማ እታ ሃገር ካብ ዝርከብ ምዕራባዊ ከተማ ወሰን ባሕሪ ከምዝተወንጨፈ ተገሊፁ።

ብሄራዊ ጣቢያ ቴሌቪዥን ሰሜን ኮሪያ እቶም ሚሳኤላት ተኸታቲሎም 395 ን 337ን ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ዒለመኦም ነምውቃዕ ዘኽእሉ ኢዮም ከብል ፀብፂቡ።

ሎሚ ንጎሆ ዝተወንጨፉ ሚሳኤላት 400 ኪሎ ሜትርን 350 ኪሎ ሜትርን ድሕሪ ምውንጫፎም ከምዝዓለቡ ኣል ጀዚራ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.