Fana: At a Speed of Life!

ሰሜን ኮሪያ ኣብ ክልል ኣየር ጃፓን ባላስቲክ ሚሳኤል ኣወንጪፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰሜን ኮሪያ ኣብ ክልል ኣየር ጃፓን ባላስቲክ ሚሳኤል ከምዘወንጨፈት ተገሊፁ።

እቲ ባሊስቲክ ሚሳኤል ኣብ ፓሲፊክ ውቅያኖስ ከምዝዓለበ ዝተሓበረ እንትኸውን፥ ቅድሚ ምዕላቡ 4 ሺሕን 500 ኪሎ ሜትሮ ተጓዒዙ ተባሂሉ፡፡

እቲ ዝተወንጨፈ ማእኸላይ ርሕቐት ዘለዎ ሚሳኤል ጉድኣት ከምዘየብፀሐ እውን ተገሊፁ።

ሰሜን ኮሪያ ትኹት ቶኪዮን ዋሺንግተንን ንምስሓብ ኮነ ኢላ ሚሳኤል ከምዘወንጨፈት እውን ተሓቢሩ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ድሕሪ 2017 ሰሜን ኮሪያ ኣብ ክልል ኣየር ጃፓን ሚሳኤል እንትተወንጭፍ ፈላማይ ከምዝኾነ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ጃፓን ተቓላዕቲ ዝበለቶም ዜጋታት ንኽጥንቀቑ መተሓሳሰቢ ሂባ ኣላ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ፉሚዮ ኪሺዳ እቲ ተግባር “ነገር ምፅሕታር” ክብሉ ኮኒኖምዎ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.