Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝውዕል ናብ ብር 51 ሚሊየን ዝፅጋዕ ሓገዝ ገይሩ

አዲስ ኣበባ፣ 28 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዝውዕል ናብ ብር 51 ሚሊየን ዝፅጋዕ ገንዘባዊ ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ ካብ ናይ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ክልተ ወርሒ መሃያ ተነኪዩ ዝወሃብ ኢዩ ተባሂሉ።

ኤታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ጀኔራል ኣደም መሓመድ፥ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ሃገር ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ህዝባዊነቱ ንምርኣይ ዝገበሮ ሓገዝ ምዃኑ ገሊፆም።

እቲ ሰራዊት ዝገብሮ ሓገዝ ኣብ ቀፃሊ እውን ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅ ኣብሪሆም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ እቲ ሰራዊት ምልክልኻል ሃገር ብዝተፈላለዩ መገዲታት ህልውና ሃገር ንኽቕፅል ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዝነኣድ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብፍላይ ሃገር ናብ ቅልውላው ኣብ ትኣትወሉ እዋን በዚ ብርኪ ህዝባዊነቱ ከርኢ ምኽኣሉ ትፅቢት ዝግበር ትግባር ኢዩ ኢሎም።

ሴክሬታሪያት መተሓባበሪት ኮሚቴ ሚኒስትራት ምክልኻልን ምቁፅፃርን ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19ን ሚኒስትር ሰላምን ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ብግደአን፥ ነቲ ዝተገበረ ሓገዝ ብምንኣድ እቲ ሓገዝ ናብ ካልኣይ መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ እቶት እናተኣተወ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ዝተገበረ ብምዃኑ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ብሃይለኢየሱስ ስዩም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.