Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ሩሲያ ስትራቴጂካዊት ከተማ ሊማን ሙሉእ ብሙሉእ ተቖፃፂሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ሩሲያ ንዩክሬን ልዑል ስትራቴጂካዊት ከተማ ዝኾነት ከተማ ሊማን ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተቖፃፅረ ሚኒስቴር ምክልኻል እታ ሃገር ኣረጋጊፁ።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ግዝኣት ሉሃንስክ፣ ዩክሬን ኣስታት 10 ሺሕ ዝኾኑ ወተሃደራት ሩሲያ ከምዝተዋፈሩ ምምሕዳር ክልል ምብራቕ እታ ሃገር ከምዝተዛረበ ቲአርቲ  ፀብፂቡ።

ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፥ ሰራዊት ሩሲያ ማእኸል ትካላት ኢንዱስትሪ ዝኾነ ክልል ዶንባስ ዝገብሮ ኲናት ይገድድ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ሃገራት ምዕራብ ዝገብርኡ ደገፍ ኣፅዋራት ኲናት ንከጠናኽራ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ሩሲያ ሃይፐርሶኒክ ዚርኮን ክሪዝ ዝበሃል ሚሳኤል ዕዉት ብዝኾነ መገዲ ፈተነ ምክያዳ ገሊፃ።

እቲ ፈተነ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ኣርክቲክ ባሬንትስ ኢዩ ተኻይዱ።

ኣብ 1 ሺሕ ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ዝርከብ ዒላማ ዕዉት ብዝኾነ መገዲ ከምዝወቕዐት ድማ ተሓቢሩ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.