Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ኣብ ዝተመረፁ ሃፍቲታት መዓድን ብሰፊሑ ንኽሳተፉ እብ ምርድዳእ በፂሕና – ኢንጂነር ታከለ ኡማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ኣብ ዝተመረፁ ሃፍቲታት መዓድን ብሰፊሑ ንኽሳተፉን ብሓባር ንምስራሕን እብ ምርድዳእ በፂሕና ክብሉ ሚኒስትር መዓድን ኢንጂነር ታከለ ኡማ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ምስ ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ያብራክ ኣልፕ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ስትራቴጂክ ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ኣብ ዝተፈራረሙሎም ዝተፈላለዩ ስምምዓት ዘድሃበ ከምዝነበረ ተዛሪቦም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ እውን ሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ኣብ ኢንቨስትመንት ኢንዱስትሪ መዓድን ዝሳተፉሉ ዕድል ብምትኳ ሰፊሕን ሃናፂን ምይይጥ ከምዝገበሩ እቶም ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ፅሒፎም፡፡

ብፍላይ ሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ኣብ ዝተመረፁ ሃፍቲታት መዓድን ብሰፊሑ ንኽሳተፉን ብሓባር ንምስራሕ ምርድዳእ ከምዝተገበረን ገሊፆም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.