Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ሃፍቲ ጅቡቲ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ንምፍሳስ ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሃፍቲ ጅቡቲ ኣብ ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ብምእታው መዋእለ ንዋዮም ንምፍሳስ ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም።

ብፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ንግዲ ጅቡቲ የሱፍ ሙሳ ዳዋሌህ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ÷ ኣብ ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ቂሊንጦን ቦሌ ለሚን ዑደት ገይሩ።

ኣብ ዑደቶም ድማ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓትን ምንቅስቓስ ሰብ ሃፍቲን ተዓዚቦም፡፡

እቲ ጉጅለ ልኡኽ÷ ኣብ ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ብፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንትን ንሰብ ሃፍቲ ዝግበሩ በዛዕባ ዝግበሩ መበረታትዒታትን ከምኡ እውን ኣብ ስግግር ቴክኖሎጂ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ገለፃ ተገይሩሉ።

ምክትል ፈፃሚ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ኣይተ ሽፈራው ሰለሞ ከምዝበሉዎ÷ እቲ ዑደት ካብ ጅቡቲ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ዝተሃነፀ ናፃ ቀጠና ንግዲ ሰብ ሃፍቲ እታ ሃገር ኣቲዮም ኢንቨስት ንኽገብሩ ዘነቓቕሕ ኢዩ፡፡

ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ንግዲ ጅቡቲ የሱፍ ሙሳ ዳዋሌህ ብግደኦም÷ ሰብ ሃፍቲ ጅቡቲ ኣብ ናፃ ቀጠና ንግዲ ድሬዳዋ ኣቲዮም ንኽሰርሑ ኣድላዪ ሓገዝን ክትትልን ከምዝገብሩ ምግላፆም ካብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.