Fana: At a Speed of Life!

ሰነድ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ናብ ህዝቢ ክውዛዕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ፕላንን ልምዓትን ዘዳለዎ ሰነድ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ኣብ ዝቕፀል ሰሙን ናብ ህዝቢ ክውዛዕ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ትልሚ ብቀንዱ ብድረ-ገፅ እቲ ኮሚሽን ኣቢሉ ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝግበር ድማ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ብመልክዕ መፅሓፍ ዝተሰናድአ ሰነድ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ከይዲ ሕትመት ዘሎ እንትኸውን፥ እቲ ከይዲ ምስተዛዘመ ናብ ህዝቢ ክበፅሕ ክግበር ኢዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኣብ ኣተገባብራ ትልሚ ልምዓት ዝነበሩ ክፍተታት ከምኡውን ዝተመዝገቡ እወንታዊ ጎኒታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ዝቕፅሊ 10 ዓማውቲ ጉዕዞ ብዕፅግና ኢትዮጵያ ንምስላጥ ንክሕግዝ ዝተዳለወ ትልሚ ከምዝኾነ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.