Fana: At a Speed of Life!

ሱልጣን ሃንፈሬ ዓሊሚራህ ካብ’ዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ክልል ዓፋር ብምዃን ዘገልገሉ ሱልጣን ሃንፈሬ ዓሊሚራህ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም።

ስለዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ብምኽኒያት ሕልፈት ህይወይ ሱልጣን ሃንፈሬ ዓሊሚራህ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፆም ከምዝበልዎ፥ “ፕሬዚዳንት ክልል ዓፋር ብምዃን ቀፂሉ እውን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኲየት ብምዃን ክሳብ ሕልፈተ ህይወቶም ንሃገሮም ዘገልገሉ ሱልጣን ሃንፈሬ ዓሊሚራህ ምዕራፎም ምስማዐይ እሓዝን። ንቤተሰቦምን ፈተውቶምን ምፅንዕናዕ እምነ” ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.