Fana: At a Speed of Life!

ሱዳን ካብ መዝገብ ግብረ ራዕዲ ንምውፃእ ዓሊማ 335 ሚልየን ዶላር ካሕሳ ናብ ኣሜሪካ ከምዝለኣኸት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሱዳን ካብ መዝገብ ግብረ ራዕዲ ንምውፃእ ዓሊማ 335 ሚልየን ዶላር ካሕሳ ናብ ኣሜሪካ ከምዝለኣኸት ተገሊፁ።

ሱዳን ነዚ ዝፈፀመትሉ ምኽኒያት፥ እታ ሃገር እንተደኣ ካሕሳ 335 ሚልየን ዶላር ከፊላ ካብ’ቲ ንግብረ ራዕዲ ድጋፍ ካብ ዝገብራ ሃገራት ተባሂላ ዝሰፈረትሉ መዝገብ ኣሜሪካ ክትስረዝ ምዃና ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምግላፆም ስዒቡ ኢዩ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ እቲ ገንዘብ ናብ ኣሜሪካ ከምዝተልኣኸ ገሊፆም።

ይኹን እንበር ካብ ኣሜሪካ ተቐቢልና ዝብል መረጋገፂ ገና ከምዘይረኸቡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ተዛሪቦም።

ሱዳን ንግብረ ራዕዲ ካብ ዝምውላ ሃገራት ተባሂላ ኣብ መዝገብ ኣሜሪካ ዝሰፈረት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1993 ጀሚሩ ኢዩ።

መበገሲኡ ድማ  መራሒ ኣል-ቃዒዳ ኦሳማ ቢን ላደን ብመንግስቲ ተጋይሹ ኣብ ሱዳን ይነብር ብምንባሩ እዩ።

እቲ ካሕሳ ድማ ኣል-ቃዒዳ ብ1998 ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ክልተ ኤምባሲታት ኣሜሪካ ምስ ዘብፀሖ መጥቃዕቲ ብዝተኣሳሰር ዝኽፈል እዩ ተባሂሉ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.