Fana: At a Speed of Life!

ስርዓት ጥዕና ንምጥንኻር ምትእስሳር ኣገልግሎት ትካላት ጥዕና ምድንፋዕ ከምዘድሊ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስርዓት ጥዕና ንምጥንኻር ምትእስሳር ኣገልግሎት ትካላት ጥዕና ምድንፋዕ ከምዘድሊ ሚኒስቴር ጥዕና ገሊፁ።

ስርዓት ጥዕና ንምጥንኻርን ምትእስሳር ኣገልግሎት ትካላት ጥዕና ብፍላይ ጥዕና ኣዴታት፣ ህፃናት፣ ሰገናትን ስነ ተዋልዶን ተበፃሕቲ ንምግባርን ዘኽእል ስርዓት ንምዝርጋሕ ዝሕግዝ መድረኽ መጀመሪ መርሃ ግብሪ ተኻይዱ።

ኣማኻሪ ሚኒስትር ዴኤታ ጥዕና ዶክተር ደሳለኝ በቀለ፥ ኣብ ሃገር ፅሬት ጥዕና ንምሕላውን ንምጥንኻርን፣ ዘፈር ጥዕናን ፅሬት ክንክንን ድሕንነት ስትራቴጂ ምትግባርን መሰረታዊ ዝኾኑ ኣገልግሎታት ጥዕና ንምድጋፍ ዘኽእሉ ኩለመዳይ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝርከቡ ገሊፆም፡፡

ለውጢ ኣብ ዘምፅኡ ስትራቴጂካዊ ጉዳያት ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ካንትሪ ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ፎር ሄልዝ ኬር ኢንፕሩቭመንት (አይ ኤች አይ) ዶክተር ኣብዩ ክፍሌ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ድማ፥ ፅሬት ትኹረት ዝገበረ ስርዓት ጥዕና ንህፃናት ኣዶታትን ዕሸላት ሰገናትን ከምኡ እውን ምግቢን ስነ-ተዋልዶን ኣገልግሎታ ምምሕያሽ ከምዝግባእ ምግላፆም ካብቲ ሚኒቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.