Fana: At a Speed of Life!

ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ፅዋዕ ዓለም ዋንጫ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ-ስርዓት መኽፈቲ መበል 22 ፅዋዕ ዓለም ዋንጫ ይካየድ ኣሎ፡፡
እቲ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ሎሚ መዓልቲ መኽፈቲ ፀወታ ኣብ ዝተኣናገደሉን 60 ሺሕ ተመልከትቲ ዘተኣናግድን ስታዲየም ኣል ባይት ኢዩ፡፡
ኣብቲ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ሳውንድ ትራክ እቲ ውድድር ተባሂሉ ብፊፋ ኣፍልጦ ዝተውሃቦ “ሃያ ሃያ” (ምትሕብባር ይሕሽ) ዝብል ሙዚቃ ክቐርብ ኢዩ፡፡
ምሸት 1 ሰዓት ኣብ ዝጅምር መኽፈቲ ፀወታ ኣሰናዳደኢት ሃገር ኳታር ምስ ደቢብ ኣሜሪካዊት ኢኳር ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
ኳታር ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚራ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ  18 ታሕሳስ 2022 ኣብ ተተኣናግዶ መበል 22 ፅዋዕ ዓለም ሸሞንተ ስታዲየማት ፀወታታት ንምትእንጋድ ተሰናዲአን ኣለዋ።

ዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.