Fana: At a Speed of Life!

ስነ ስርዓት ምሃብ ሽመት ልዑል መዓርግ ዋታደራዊ መኮንናት ተካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 09 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ ስርዓት ምሃብ ሽመት ልዑል መዓርግ ዋታደራዊ መኮንናት ሎሚ መዓልቲ ተካይዱ።

ብቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ላዕለዋይ ኣዛዚ ጦር ሰራዊት ምክልኻልን ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣቕራቢነት ብፕዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኢዩ እቲ ሽመት ክወሃብ ዝኸኣለ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምሃብ ሽልማት መደረ ዘስምዑ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ ብሃገሩ ዝኾርዕን ሃገሩ ዘኹርዕን፣ ንዘበናት ጅግንነቱ ዘመስከረ፣ ዓወት ምምዛጋብ ልማዱ፣ ናቱ ዘይህብ ናይ ሰብ ዘይወስድን ሰላም ክብ ንኽብል ንባዕሉ ዘትሕትን ኢዩ ብምባል ገሊፆምዎ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢትየጵያ፥ ኩርዓት ኣፍሪካን መኸተ ኢትዮጵያን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ካብ ውሻጠ ድኻታትን ክሳብ ዓፂድ ሓረስቶት ተዋፊሩ ሓገዝ እናገበረ ምዃኑ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ መተካእታ ዘይብላ ሂወቶም ዝልግሱ ጀጋኑ ሰራዊት ምፍራይ ቀፂላ ኣላ ዝበሉ ዶክተር ኣቢይ፥ ሎሚ መዓልቲ ንሽመት ሉዑል መዓርግ ዝበቕዑ ወታደራዊ ኣመራርሓታት ናይዚ ኣብነት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ኣወሃህባ ሽመት ወታደራዊ ሰራዊት፥ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ልዑል ቁፅሪ ዘለወን ደቂ ኣነስትዮ ኣመራርሓታት ልዑል ሽመት ከምዝተውሃበን እውን ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘረበኦም፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣካላት ንምኽባር ሕገ-መንግስቲ ጥራሕ ዝቖመ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣድልዎ ናፃ ኮይኑ ንኹሉ ብማዕረ ዘገልግል ኢዩ ኢሎም።

እቲ ሰራዊት ናይ ብሄረሰብን ሓሳብን ብዝሃነት ከምዘሎ ብምፍላጥ፥ ካብ ፖለቲካዊ ፅዕንቶ ዘይሸዳራዊ ኮይኑ ጠጠው ዝበለ ክኸውን ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።

ዝኾነ ይኹን ነገር ካብ ሉኣለዊነት ሃገር ኣይበልፅን ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ሓይሊታት ፖለቲካ ሕገ-መንግስቲ ኣኽቢሮም ክሰርሑ ግቡኦም ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጦም።

እቶም ዝተሸሙ ጀነራል መኮንናት፥ ብውዕሎኦምን ብስረሖምን ዝምዘኑ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፥ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ውዕለኦምን ስረሖምን ከፀብቑ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

   

ላዓለዋይ ኢታማዡር ሹም ሰራዊት ፌዴሪኢ ጀነራል ኣደም መሓመድ ብግደኦም፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሉኣላዊነት፣ ሰላምን ድሕንነትን ሃገር ብምሕላ ሕገ-መንግሳታዊ ተልእኹኡ እናተዋፀአ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ኩሉ ግዘ ውግንንኡ ንህዝቢ ብምዃኑ፥ ኣብ ዝተዋፈረሎም ኩሉም ወፍሪታት ውፅኢታዊ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሎሚ መዓልቲ ሽመት ዝተውሃቦም ወታደራዊ መኮንናት፥ ኣብ ዝነበሩዎ ሓላፍነት ብዘመዝገቡዎ ልዑል ኣፈፃፅማን ኣብ ቀፃሊ እዋን ፅቡቕ ውፅኢት ከመዝግቡ ኢዮም ተባሂሉ ዝተኣመነሎም ከምዝኾኑ ኣብሆም።

ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ሽመት ብሓፈሻ ን65 ጀነራል መኮንናት ሽመት መዓርግ ዝተውሃበ እንትኸውን፥ ሽዱሽተ መዓርግ ሌትናል ጀነራል፣ 19 ሜጀር ጀነራልን 40 መዓርግ ብርጋዴር ጀነራልነትን ተዋሂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.