Fana: At a Speed of Life!

ስነ ስርዓት ምጅማር ምፍልፋል ሓይሊ ካልኣይ ተርባይን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ ስርዓት ምጅማር 270 ሜጋ ዋት ምፍልፋል ሓይሊ ካልኣይ ተርባይን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ።

ሎሚ ዝጅመር ምፍልፋል ሓይሊ ካልኣይ ተርባይን ዩኒት 9 ኢዩ።

270 ሜጋ ዋት ምፍልፋል ሓይሊ ዘኽእል ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 270 ሜጋ ዋት ዘፈልፍል ዩኒት 10 ሓይሊ ምፍልፋል ምጅማሩ ይፍለጥ።

ነዚ ስዒቡ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ  ናይ ሎሚ መዓልቲ ወሲኹ ብሓፈሻ 540 ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከፈልፍል ኢዩ።

እዚ ማለት ጊቤ ሓደን ከልተን ተደሚሮም ዘፈልፍልዎ ሓይሊ ማለት ኢዩ።

ኢትዮጵያ ባዕላ እናሃነፀቶ ትርከብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ እዋናዊን ህንፀቱ እንትዛዘምን ዝህልዎ ዓቕሚ እንታይ ከምዝመስል ክነካፍለኩም።

ብራኸ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ 155 ሜትሮ እንትኸውን÷ ንውሓቱ ድማ 1 ነጥቢ 8 ኪሎ ሜትሮ ከምዝኾነ ይፍለጥ።

ርጉዲ ናይቲ ዋና ግድብ ኣብ ታሕቲ 130 ሜትሮ ዝልካዕ እንትኸውን÷ ኣብ ጫፉ ድማ 11 ሜትሮ ኢዩ።

እቲ ግድብ እንትዛዘም ማይ ዝዓርፈሉ መሬት 246 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ኢዩ።

1 ሺሕን 875 ኪሎ ሜትሮ ስኬር ስፍሓት፣ 74 ቢሊየን ኪዩቢክ ሜትሮ መጠን ማይ ይሕዝ።

ንሕድሕዶም 375 ሜጋ ዋት ዘፈልፍሉ 13 መፈልፈልቲ ሓይሊ ዪኒታት ኣለውዎ።

ኢትዮጵያ ካብቲ ግድብ ሓይሊ ኣፈልፊላ ንባዕላ ድሕሪ ምጥቃማ ኣስታት 2 ሺሕ ሜጋዋት ንጎረቤት ሃገራት ብምሻጥ ኣብ ዓመት ክሳብ 580 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምእትረክብ ግምታት ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ በዝነበረ ተኸታታሊ ዝናብ ክራማት ቀዳማይን ካልኣይን ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ተፈፂሙ ኢዩ።

ብኣላዛር ታደለ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.