Fana: At a Speed of Life!

ስዊድን ስራሕቲ ሪፎርም ኢትዮጵያ ከምትድግፍ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ምስ ኣምባሳደር ስዊድን ኣብ ኢትዮጵያ ሃንስ ሄንሪክ ሉንድኪስት ተዛቲየን።

እተን ሚኒስትር፥ መንግስቲ ስዊድን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈራት ትምህርቲ፣ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን፣ ህንፀት ሰላመን ከምኡ እውን ሓፈሻዊ ጉዕዞ ሪፎርም ዘበርክቶ ዘሎ ሓገዝ ምስጋና ኣቕሪበን።

ኣምባሳደር ስዊድን ብግደኦም፥ ሃገሮም ኣብ ስራሕቲ ሪፎርም ኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ተዛሪቦም።

ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል፥ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ምርግጋእ ንኽፍጠርን መሊስካ ንምጥያሽ ትኹረት ገይሩ እናሰርሐ ምዃኑ ኣገንዚበን።

ኢትዮጵያን ስዊድንን ዘለወን ክልተኣዊ ምትእስሳር ኣጠናኺረን ከምዝቕፅሉ ምስምዕመዖም ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.