Fana: At a Speed of Life!

ሽግ ሓርነት ደደቢት ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታትን ከተማታትን ዞባ ማእከል ኣቀባብላ ተገይሩላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ሽግ ሓርነት ደደቢት ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታትን ከተማታትን ዞባ ማእከል ኣቀባብላ ተገይሩላ።

እታ ሽግ ሓርነት ካብ ደደቢት ዝተበገሰት እንትትከውን፥ ኣብ ከተማታት ኣክሱም፣ ራማ፣ ኣሕስኣን ዓድዋን ከምኡ እውን ወረዳ ኣሕፈሮም፣ ናዕዴር ዓዴትን ታሕታይ ማይጨውን ኣቀባብላ ተገይሩላ ኣሎ።

ነበርቲ እተን ከባቢታት፥ ፃምእ ሓርነትን ብሄራዊ መሰልን ሰኒቖም ብፅንዓትን ዓላማን ንዝሓለፉ 45 ዓመታት ክብርቲ ሂወቶም ፣ ኣካሎምን ኩለ መዳይ ንእስነቶምን ቤዛ ህዝቢ ዘወፈዩ ተጋደልትን ሃርበኛታትን ትግራይ ኩሉ ሻዕ ክንዘንትዎ ኢና ኢሎም።

“ኣብ ክሊ ልምዓትና ንዘጋጥሙናን ሰላምናን ንዘጋጥሙና ፈተና ከምቲ ልሙድ ንምምካት ድልዋት ኢና!” ከምዝበሉ ድማ ተገሊፁ።

ሕሉፍ ታሪኽ ብፅንዓት ብምዕቃብ ዳግም ህዝቢ ዓለም ዝምስክሮ ታሪኽ ንምስራሕ ድልዋት ኢና ዝበሉ እቶም ነበርቲ፥ ሃገር ንምፍራስ ምስ ዝንቀሳቐስ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ፍፁም ከምዘይደራደሩ ተዛሪቦም ክብል ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዘብን መንግስትን ዞባ ማእከል ትግራይ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.