Fana: At a Speed of Life!

ቀንዲ ዘብዒ ሰላም፣ ደሕንነትን ህልውናን ህዝቢ ትግራይ-ባዕሉ ህዝቢ እዩ-ዶ/ር ኣብርሃም በላይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣብርሃም በላይ፥ ቀንዲ ዘብዒ ሰላም፣ ደሕንነትን ህልውናን ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ህዝቢ እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ዶክተር ኣብረሃም ምስ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ኣብ ዝነበረ ፃንሒት ኢዩ ነዚ ዝበሉ።

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ኣቐዲመ፣ ኣብ ክልልና ትግራይ ንኹሉ ማእኸል ዝገበረን ኣሳታፋይን፣ ሰላማዊ ዝኾነ ምሕደራ ንምርግጋፅ ዘቕረብኩዎ ፃውዒት፣ ካብ ህዝቢ ትግራይን መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያን፣ ከምኡ እውን ሓደ-ሓደ ዓለም-ለኸ ትካላትን ኣባላት ማሕበረሰብን ንዝተገበረለይ ሓገዝ ልዑል ሓበን ይስመዐኒ፤ የቐንየለይ፡፡

መንግስቲ ፌደራል ሓዱሽ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ካብ ዝምድብ ዛጊድ ክልተ ሰሙናት ተቖፂሮም ኣለዉ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ብሓገዝን ተስፋን ህዝቢ ትግራይ፣ ፈለማ ቅኒት ሓፈሻዊ ወድዓዊ ህልዊ ኹነታት ብምግባር ብህፁፅ ዝስርሑ ዛዕባታት ምፍላይን መፍትሒ ምሃብን ስራሕቲ ብምስራሕ ናብ ተግባራዊ ስራሕ ኣቲና ኣለን፡፡

ኣፈፃፅማ ስራሕ ዝሓለፉ ሒደት መዓልትታት እንትርአ ፤ ጊዘ ዘይህቡ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ሓገዝ ምድሓን ሂወት ተኻይዶም እዮም ይካየዱ እውን ኣለዉ፡፡ ብተወሳኺ እውን ምስ መንግስቲ ፌደራል ብምዝርራብ ምምሕያሻት ኣሰራርሓታት ሕግን ምሕደራን ተገይሮም እዮም፡፡ ብተወሳኺ እውን፣ ኣብ ክልልና ሰላምን ፀጥታን ብህፁፅ ከምፅኡ ዘኽእሉ ርኡያት ስጉምቲታት ኣመልኪቱ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ምልዛብ ሓዊሱ፣ ቅድሚ ምጅማር ዝመፅእ ክረምቲ ዜጋታትና ብህፁፅ ክጣየሹን ናብ ስራሕቲ ሕርሻ ክምለሱን ብዘኽእል መንገዲ ልዑል ቆላሕታ ሂቡ ይሰርሕ ይርከብ፡፡

ካብቶም ብግዚያዊ ምምሕዳር ዝተወስዱ ምምሕያሻትን ምትዕርራያትን ሓደ፣ ንዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ኣብ ስራሕ ዝነበረ ህፁፅ ኣዋጅ ወይ እውን ኣዋጅ እቶ-እቶን ዝተጣየሸ ኮማንድ ፖስትን ንተወሳኺ ጊዘ ከይናዋሕ ብምግባር፣ ህዝብና ብባዕሉ ከይዲ ምኽባር ሰላሙን ደሕንነቱን ዝለዓለ ተሳትፎ ክህልዎ ዘኽእል ባይታ ምፍጣር እዩ፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ፣ ኣዋጅ እቶ-እቶ ስዒቡ ዝተሓላለፈ “ገደብ ሰዓት ሕላፍ” ከከም ኩነታቱ ደረጃ ብደረጃ እናተርኣየ ንምምሕያሽን ሙሉእ ብሙሉእ ንምልዓልን ብጊዝያዊ ምምሕዳር ምድላዋት እናተግብሩ ይርከቡ፡፡ ስለዝኾነ እውን መላእ ትግራዋይ እዚ ምድላው ኣብ ግምት ብምእታው ብትዕግስቲን ተወሳኺ መግለፅ ክከታተል ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ የፍልጥ፡፡

እዚ ሰናይ ጅማሮ መንግስቲ ፌደራልን ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን፣ ብፍላይ ኣብ ቀፃሊ ዝዝርዘሩ ሓደ-ሓደ ከተማታትን ከባቢታትን ወፃኢ ተፈፃሚ ክኸውን እዩ፡፡ እዚ ድማ፣ ህዝብና ሰላሙን ደሕንነቱን ምስ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ተቐናጅዩ፣ ብባዕሉ ከኽብር ከምዝኽእል ኣብ ግምት ዘእተወ ውሳነ እዩ፡፡ ኣብ ከይዲ እውን ክልልና ናብ ዝሓሸ ምርግጋዕ ንምምላስ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንዘይሕለል እጃም ህዝብና ኣቐዲምና ኣፍልጦ ብምሃብ እዩ፡፡

ቀንዲ ዕላማ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ ኣብ ትግራይ ሕገመንግስቲን ካልኦት ሕግታትን ከይሸራረፈ ንምትግባር ግዴትኡ ዝዋፃእን ቕቡልነት ዘለዎን፣ ሕጋዊ ምሕደራ ብሕጋዊ መንገዲ ንምምፃእ ዘኽእል ቅኑዕ መንገዲ ምፍጣሩ ምርግጋፅ እዩ፡፡ ስለዝኾነ እውን፣ እዚ ሰናይ ተግባር ብምጥቃም፣ ስራሕቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ብዕሊ ክግንዘቦን ብዘላቒነት ክልልና ንምርግጋዕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እውን እጃሞም ከወፍዩ ከምዝግባእ ምርዳእ የድሊ፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን፣ ምስዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዝን ድጋፋትን ኣብ መላእ ትግራይ ንምብፃሕ ዘኽእሉ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ክቅፅሉ ክግበር እዩ፡፡ ስለዝኾነ እውን፣ ኣብ ገጠር ይኹን ከተማ፣ ህዝብና ናብ ልሙድ ዕለታዊ ተግባሩ ንምምላስ ዝሕግዙ ፃዕርታት ተጠናኺሮም ምቕፃል ጀሚሮም እዮም፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ጠቐምቲ ርኡያት ስጉምትታት ከምእንወስድ ኣቐዲምና እናፍለጥና፣ ህዝብና ኣብ ሓፈሻዊ ሰላምን ምርግጋዕን ከምኡእውን ሰብኣዊ ሓገዝን ዘመተ ምድሓን ሂወትን ፈተነታት ዳግመ-ህንፀት ትግራይን ንምዕዋት እጃምኩም ክተወፍዩ ከምዝግባእ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ የተሓሳስብ፡፡

ክሳብ ስሩዕ ብመረፃ ዝምስረት ሕጋዊ መንግስቲ ክልል ዝጣየሽ፣ ኣብ ህዝብና ዝበፅሑ ከበድቲ ፀገማት ካብ ዘለዉዎ ንላዕሊ ከይቕፅል፤ ህዝብና ንዓመታት ዝሳገር ፀገም ከየጋጥሞን ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ ንቡር ሰላሙ ክምለስን ንምግባር ብሞዮኦምን ልምዶምን ንህዝቦም ከገልግሉ ድልዋት ዝኾኑን ብሕዝቢ ዝተሓረዩን መናእሰይ ትግራይ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣትዮም እናገልገሉ ይርከቡ።

ኮይኑ ግና፣ ክሳብ ሐዚ ዝሰኣንናዮም መናእሰይ ከይኣኽሉና ሐዚ እውን እንተኾነ፣ ቀረብ ጥዕና ንኽድንፍዕ ኣቑሑት ናብ ኩሉ ዘባፅሑ፣ ሰብኣዊ ሓገዝን እታወታት ሕርሻን ህዝብና ብእዋኑ ክበፅሖ ቀትርን-ለይትን ደፋእፋእ ዝብሉ፣ መንግስታዊ ግልጋሎት ክጅመር ላዕልን ታሕትን ዝብሉ፣ ሓገዛትን ድጋፋትን ተሰኪሞም ገጠር ከተማ ከይፈለዩ ዘባፅ መናእሰይ፣ ዘበናዊ ድኹዒን ምሩፅ ዘርእን ንገባር ከባፅሑ ትኽስ ዘይብሉ መናእሰይ ኮነ ተባሂሉ ብዕጡቓት እንትቕተሉ ምርኣይ/ምስማዕ ካብ እንጅምር ኣዋርሕ ተቖፂሮም ኣለዉ፡፡

እዞም መናእሰይ፣ ተዓጢቖም ዝዋግኡ እንተይኮኑስ ህዝቦም ከይጠሚ ላዕልን ታሕትን ኢሎም ዝዕንግሉ፣ ጥኑሳት ኣደታትን ኣሓትን ብስእነት ሕክምና ከይሞታ ቀረብ ጥዕና ክህሉ ዝሰርሑ፣ ሆስፒታላትን ጥዕና ጣብያታትን ናብ ስራሕ ክምለሱ ፃዓርዓር ዝብሉ፣ ህዝቢ ግቡእ ግልጋሎት መንግስቲ ክረክብ ዝሰርሑ፣ ገባር ዓድና ከይሓረሰ ክረምቲ ከየርክቦ እታወት ዘባፅሑ ወዘተ. እዮም፡፡ እዞም መናእሰይ ውግንና ዝኾነ ይኹን ፐለቲካ ዘይብሎም፣ ፍልጠቶምን ልምዶምን ሒዞም ኣብ ቁርፂ እዋን ንህዝቦም ወጊኖም ደው ዝበሉ እዮም፡፡ ስለዝኾነ እውን፣ እዞም እኹል ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ዘይብሉን ኣብ እዋን ሕማቕ ጊዘን ፀገም ህዝቦም ክፈትሑን ህዝቦም ከገልግሉን ብህዝቢ ዝተመርፁ ምሁራት ተጋሩ ምኻኖም ተረዲእና ደሕንነቶም ኣብ ምርግጋፅ ሓላፍነት ኩሉ ትግራዋይ ምኻኑ ክፍለጥ ከምዝግባእ ክገልፅ እፎቱ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.