Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ብሕልፈት ህይወት ገላሳ ዲልቦ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብሕልፈት ህይወት ገላሳ ዲልቦ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣይተ ገላሳ ዲልቦ ካብ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ጀሚሮም ንነፃነት ህዝቢ ኦሮሞን ማዕርነትን ምቅላሶም ኣዘኻኺሮም።

ብፍላይ ኣብ ሶማሌ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ቃልሲ ብዙሕ መከራን ፀገምን ከምዘሕለፉ ኣዋጊዖሙኒ ነይሮም ኢሎም።

ኣብ ቀረባ እዋን ብኣመራርሓ ለውጢ ብዝተገበረሎም እንግዶት ጉዕዞ ሰለማዊ ቃልሲ መሪፆም ናብ ሃገሮም ብምምላስ ብሰለማዊ መገዲ ምቅላስ ካብ ምጅማሮም ብተወሳኺ ኣብ ምርጫ 2013 ብውልቀ ተወዳዲሮም ኣባል ፓርላማ ንምዃን ክኢሎም ኢዮም።

መናእሰይ ካብ ጉዕዞ ቃልሲ ኣይተ ገላሳ ዲልቦ ንክመሃሩ ፃዕሪ ይገብሩ ነይሮም።

ኣይተ ገላሳ ስቕተኛ፣ መስተውዓሊ፣ ምኽኒያታዊን ንሰለማዊ ዝርርብ ኣዝዮም ዝምችዉ ከምዝነበሩ ብምግላፅ፥ ኣይተ ገሊሳ ኣዝዮም ኣብ ዘድሊዩና ኢና ስኢናዮም፤ ፈጣሪ ነብሶም ይምሓር ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነሽ ኣበቤ ብሕልፈት ህይወት ኣይተ ገላሳ ዲልቦ ዝተሰመዐን ሓዘን ገሊፀን።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.