Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ንሓዱሽ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ናይ እንኳዕ ደስ በሎም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ንሓዱሽ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ ሞሓመድ ናይ እንኳዕ ደስ በሎም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ ምስ ፕሬዚዳንት ሓሰን ሼኽ ሞሓመድ ንኢትዮጵያን ሶማሊያን ናይ ሓባር ዝኾኑ ክልቲኣዊን ቀጣናዊን ዛዕባታት ተቐራሪቦም ከምዝሰርሑ እምነቶም ገሊፆም።

ፓርላማ ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ ሞሓመድ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ንክኾኑ ምምራፁ ይዝከር።

ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ናይ መወዳእታ ኣወሃህባ ድምፂ ሓሰን ሼኽ ሞሓመድ ኣብ ስልጣን ንዝነበሩ መሓመድ ኣብዱላሂ ፋርማጆን ብምስዓር ኢዮም ተመሪፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.