Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ፕሮጀክት መቖሚ መኪና ኣንድነት መሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ፕሮጀክት ፕሮጀክት መቖሚ መኪና ኣንድነት መሪቖም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ÷ ከንቲባ መርምሕዳር ከተማ ኣደስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ከምኡ እውን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌደራልን ክልልን ተረኺቦም፡፡

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 1 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ወፃኢ ብምግባር ዝሃነፆ ፕሮጀክት መቖሚ መኪና ኣንድነት÷ ኣብ 9 ሺሕ ካሬ ሜትሮ ቦታ ዝዓረፈ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እቲ ፕሮጀክት ልዕሊ 1 ሺሕን 20 ተሸከርከርቲ ብሓደ ግዘ ከተኣናግድ ዝኽእል ኢዩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣምፊ ቴኣትር፣ ባህላዊ ቤት ምግቢ፣ ዱንኳንን ካልኦት መዘናግዒ ቦታታትን ዘካተተ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ተመሪቑ ዝተኸፈተ ፕሮጀክት÷ ኩለመዳይ ኣገልግሎት ዝህብን ታሪኻዊ ምስሉ እንተይለቐቐ ንወለዶ ክመሓላለፍ ዝተሰርሐ ኢዩ ተባሂ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.