Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ሩባ ሸበሌ ዝተሃነፀ ግድብ መስኖ ጎዴ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሩባ ሸበሌ ዝተሃነፀ ግድብ መስኖ ጎዴ ዑደት ገይሮም።

ኣብቲ ዑደት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮነን፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዴሳን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ ኣሕመድን እውን ተረኺቦም ኢዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፅ፥ በቲ ግድብ ኣቢሉ 2 ሺሕ ሄክታር ስንዳይ ከምዝለምዐ ኣፍሊጦም።

ብተወሳኺ ኣትክልትን ፍራምረን ከምኡ’ውን ናይ ቅብኣት ኣዝረእቲ ብስፍሓት ክፈርዩ ከምዝግበር እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.