Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ኣቢይ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ተዛትዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማያርዲት፥ ኣብታ ሃገር ዘላቒ ሰላም ምዕሳል ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቦም ምዝታዮም ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዘሀቡዎ መብርሂ ተዛሪቦም።

ኣብ ከይዲ ምምስራት ስግግር መንግስቲ እታ ሃገር ዝተበፅሐ ስምምዕነት ተግባራዊ ንኽኸውን ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑ እውን ገሊፆም።

ብተወሳኺ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም ዜጋታት ካብ ደቡብ ሱዳን ተመዛቢሎም ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቑቦም ከምዝርከቡን እቶም ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ምፅነሖም ከዕርፎ ዝኽእል ፅዕንቶን ብዝምልከት ከምዝዘተዩ እውን ኣይተ ንጉሱ ኣብሪሆም።

ብመንፅር እዚ ድማ ጉዳይ ሰላም ደቡብ ሱዳን፥ ጉዳይ ኢትዮጵያን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ከምዝኾነ ኣብቲ እዋን ዘተ ተገሊፁ ኢዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ጅቡቲ ኢስማኤል ኦማር ጊሌህ ኣብ ዝገበሩዎ ተመሳሳሊ ዘተ፥ ኣብ ምምሕያሽ መሰረተ ልምዓት ብፍላይ ድማ ምስ ኣወሃህባ ግልጋሎት ወደብ ዝተትሓዙ ዛዕባታት ኣልዒሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ባቡር ቅልጡ ንምግባር ኣብ ዝከኣለሉ ኣግባብን ኣብ ጉዳይ ቁጠባዊ ውህደትን ኣድሂቦም ተዛትዮም ኢዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ፕሬዚዳንት ጊኒ ኣልፋ ኮንዴ እውን ኣብ ኣህጉራዊን ቀጠናዊን ጉዳያት ብምትኳር ተዛትዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.