Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ፖለቲካዊ ምኽክር ኢትዮ-ቺሊ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ፖለቲካዊ ምኽክር ኢትዮ-ቺሊ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።

እቲ ምኽክር ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ተጠባባቒ ኣማኻሪ ጉዳያ ኣውሮፓን ኣሜሪካን እስክንድር ይርጋን ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቺሊ ዋና ዳይሬክተር ጉዳያት ማእኸላይ ምብራቕን ኣፍሪካ ኣምባሳደር ሁዋን ፒኖ መሪሖምዎ።

ኣብ እዋን መኽፈቲ እቲ ምኽክር ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራ ክልተኣዊ ርክብ ዘድሃበ ልዝብ ከምዝተገበረ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እተን ሃገራት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2022 ብዝተፈራረመኦ ፖለቲካዊ ምኽክር ሰነድ ስምምዕነት መበገሲ ዝገበረ እቲ ምኽክር፥ ዓለም ለኸ መድረኻት ሓዊሱ እተን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምትሕብባር ዘለወን ክልተኣዊ ርክብ ንምስፋሕ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.