Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ብዘይምዝንጋዕ ኮሮና ምስዓር ከምዝግባእ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብምጥንቃቕን ብዘይምዝንጋዕን ቫይረስ ኮሮና ምስዓር ከምዝግባእ ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ እቲ ቫይረስ ብልዑል ጥንቃቐ ከምኡ እውን ብዘይምዝንጋዕ ምስዓርን ምጥፋእን ከምዝከኣል ገሊፆም።

“ኮሮና ካብ ዝስዕረና ንስዓሮ፤ ካብ ዝዘምተልና ንዝመተሉ፤ ካብ ዘጥፈአና ነጥፋኣዮ” ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ምዝንጋዕ ስለዝተፈጠረ በቲ ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ቁፅሮም እናወሰኸ ምምፅኡ ዝገለፁ ቀዳማይ ኣቢይ፥ ጥንቃቐ ንቫይረስ ኮሮና ከምዘይምቹ ገሊፆም።

ሚኒስቴር ጥዕና ትማሊ ኣብ ዘውፀኦ መዓልታዊ ፀብፃብ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ 100 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፎም ኢዮም።

እዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ናብ 831 ክብል ገይሩዎ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.