Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ኣብ መኣዲ ንሃገር ኣሰሮም ንኸንብሩ ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ኣብ መኣዲ ንሃገር ኣሰሮም ንኸንብሩ ፀዊዖም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒሰስተር፥ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተኣተወ ቃል ብምፍፃም ብተግባር ምርኣይ ከምዝተኽኣለ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ገሊፆም።

ኢትዮጵያውያን ኣብ መኣዲ ንሃገር ዝደሊዩዎ መጠን ገንዘብ ንኸዋፅኡ ዝተዳለወ ሒሳብ ቁፅሪ ባንኪ እውን ዕላዊ ገይሮም።

ብመሰረት እዚ ብር 10 ሚሊየንን 5 ሚሊየንን ኣታዊ ንምግባር ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝኾነ ይኹን መጠን ዘለዎ ገንዘብ ኣስተዋፅኦ ንምግባር ቁፅሪ ሒሳብ ባንኪ 1000339911267 ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ንኽጥቀሙ ሓቲቶም።

ብተወሳኺ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዝደለዩዎ መጠን ገንዘብ ንምፋይ፥ ናብ 333 ሓፂር ፅሑፍ መልእኽቲ ብምልኣኽ ኣሰሮም ንኽንብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.