Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብዚ ሰሙን ንመራኸቢ ሓፋሽ ዝሃቡዎ ቃለ መሕትት ኣብ እዋን ፅሞና ክመሓላለፍ ከምዘይግባእ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣታሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብዚ ሰሙን ንመራኸቢ ሓፋሽ ዝሃቡዎ ቃለ መሕትት ኣብ እዋን ፅሞና ከይመሓላለፍ ክብል  በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣታሳሲቡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣይተ መሓመድ እድሪስ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፁዎ፥ ዋላ እኳ እቲ ቃለ መሕትት ኣብ ተግባራት ስራሕቲ መንግስቲ ዘድሃበን ጎስጓስ መረፃ ከምዘይኮነ እንተተፈለጠ ኣብዚ እዋን ፅሞና ክመሓላለፍ ኣይግባእን።

መረፃ እዚ ዓመት ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ፍትሓዊ፣ ግልፂን ዴሞክራሲያዊን ንኽኸውን ቆራፅነቱ ዝተርኣየሉ ኢዩ ዝበሉ እቶም ዋና ዳይሬክተር፥ እቲ ቃለ መሕትት ዋላ ምስ መረፃ ርክብ ኣየሃልዎ ምእንታን ምድንጋር ከይፈጥር እቶም መራኸብቲ ሓፋሽ ቅድሚ መረፃ ከየመሓለልፉዎን ምፍላጦም ጠጠው ንኸብሉን ኣተሓሳሲቦም።

ብተመሳሳሊ ማሕበራዊ ሚዲያታት ብምጥቃም ጎስጓስ መረፃ ዝመስሉ ምልእኽቲታት እናመሓላለፉ ዝርከቡ ኣካላት ካብ ተግባሮም ክዕቀቡ ኣለዎም ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.