Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ ብስልኪ ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ ኣብ ጉዳይ ቫይረስ ኮሮና ኣድሂቦም ብስልኪ ተዛትዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት እናተሰርሑ ዝርከቡ ፃዕሪታት ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ዝተፈላለዩ ዛዕባታትን ኣድሂቦም ምስ ሺ ዢምፒንግ ዕዉት ዘተ ምግባሮም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ፅሒፎም።

ፕሬዚዳንት ሺ ጂንፒንግ ኣብ ቻይና ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ፍሉይ ክንክንን ሓገዝን ከምዝግበረሎም ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ብግደኦም፥ መንግስቲ ቻይና ኣብዚ ጉዳይ ዝገብሮ ፃዕሪ ንኢዶም።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ቻይና ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን እናተገበረሎም ዝርከብ ሓገዝ እውን ኣመስጊኖም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.