Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ጣሊያን ጁሴፔ ኮንቴ ስልጣኖም ለቒቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ጣሊያን ጁሴፔ ኮንቴ ስልጣኖም ለቒቖም።

ለበዳ ቫይረስኮሮና ዝሓዙሉ መገዲ ብዝምልከት ወቐሳ እናቐረበሎም ዝፀንሑ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ መልቀቒ ደብዳበኦም ንፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኣቕሪቦም ተቐባልነት ረኺቡ።

ኣብ ጣሊያን ብምኽንያት ቫይረስኮሮና ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 85 ሺሕን ሰባት ህይወቶም ምሕላፉ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ጁሴፔ ኮንቴ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ታሕተዎት ኣቤያተ ምኽሪ ናይ መተኣማመኒ ድምፂ ዝረኸቡ ይኹኑ እምበር፤ ኣብ ሴኔት ኣብዝሓ ድምፂ ክረኽቡ ኣይከኣሉን።

እዚ ድማ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ቫይረስኮሮና ተተሓሒዙ ሕጊታት ንምፅዳቕን ውሳነታት ንምሕላፍን ኣፀገምቲ ገይሮምሎም ኢዮም ክብል ስካይ ኒውስ ፀብፂቡ ኢዩ።

ፕሬዚዳንት ሰርጂዮ ማታሬላ ምስ ካልኦት ኣመራርሓታት ፓርቲታት እታ ሃገር ፅባሕ ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ዘሎ እንትኸውውን፥ ክሳብ ሽዑ ድማ ኮንቴ በዓል ሓደራ ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኖም ንኽፀንሑ በቶም ፕሬዚዳንት ሕቶ ቀሪቡሎም ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.