Fana: At a Speed of Life!

በዓል ጥምቀት ኣብ መላእ ሃገር ብድሙቕ ኩነታት ተኸቢሩ ከምዝሓለፈ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ደሚቓ ንኽትረአ ካብ ዝገብሩዋ በዓላት ሓደ ዝኾ በዓል ጥምቀት ኣብ መላእ ሃገር ብድሙቕ ኩነታት ተኸቢሩ ከምዝሓለፈ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

እቲ ኣገልግሎት ነቲ በዓል ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ኣብ በዓል ጥምቀት ዝተርኣዩ ሃይማኖታዊ፣ ባህላዊን ማሕበራዊን ክብሪታት እቲ በዓል ኢትዮጵያውያን ንዘበናት ዝዘለቐ ውቁብ ሓነቶም ንዓለም ዘርአየ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

እቲ በዓል ኣብ መላእ ሃገር ብሰላም ንኽኽበር ሕብረተሰብን ኣካላት ፀፅታን ንዝገበሩዎ ኣስተዋፅኦ መንግስቲ ልዑል ምስጋና ዘቕረበ እቲ መግለፂ፥ እቲ በዓል ኢትዮጵያውያን ምፍቓር፣ ህብረ ብሄራዊ ሓድነትን ሰላምን ብዝገልፅ መገዲ ከይኽበር ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝሸርሑዎም ሽርሒታት ህዝቢን ኣካላት ፀፅታን ተናቢቦምን ተዋዲዶምን ከምዘፈሸሉዎም ኣመልኪቱ።

ኢትዮጵያ ተተኣናግዶም ዓበይቲ ዓለም ለኸ መድረኻት ኣብ ቅድሚት ኣለዉ ዝበለ እቲ መግለፂ፥ “እቶም መድረኻት ከይዕወቱ ምስሊ ኢትዮጵያ ንምብልሻው ዝደለዩ ኣካላት በዓል ጥምቀት ብምርባሽ ልኡኽቶኦም ንምዕዋት ፈቲኖም ይኹን እምበር ኣይተሳኸዐሎምን” ኢሉ።

ፃውዒት ሃገር ተቐቢሎም ዝመፅ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን እውን ኣካል እቲ መሓበራዊ ኩነተ ብምዃን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተረኺቦም ነቲ በዓል ከምዘድመቑዎ ኣመልኪቱ።

በዓል ጥምቀት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብድሙቕን ብሰላማዊ መገዲ ይዛዘም እምበር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኮልፌ ቀራንዮን ቡራዩን መዋስንቲ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ወይ ብላ ማርያም ብዝተፈጠረ ፀገም እቲ በዓል ከምዝተኣጓጎለን ኣብ ልዕሊ ሰባት ሞትን ከቢድ ጉድኣትን ከምዝበፅሐን ኣፍሊጡ።

“መንግስቲ እቲ በዓል ብግቡእ ብዘይምኽባሩ፣ ብዝበፅሐ ምጥፋእ ህይወት ሰብን ጉድኣት ኣካልን ዝተሰመዖ ዓቢዪ ሓዘን ይገልፅ” ዝበለ እቲ መግለፂ፥ መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ ዝተፈጠረ ነገር ብምፅራይ ኣብቲ ተግባር ተሓተትቲ ዝኾኑ ኣካላት ናብ ሕጊ ከምዝቐርብ ገሊፁ።

መርኣያ ማሕበራዊ ምትእስሳራትናን ኢትዮጵያውነትናን ዝኾነ በዓል ጥምቀት ንምህሳስ ዝግበር ዝኾ ይኹ ፃዕሪ ብምትሕብባር ኩሎም ኢትዮጵያውያን ከምዝፍሽል እቲ ኣገልግሎት ኣብ መግለፂኡ ኣብሪሁ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.