Fana: At a Speed of Life!

በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት 29 በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ ሰለስተ ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣፍሊጠን።

ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ናይ 68 ሰባት ምርመራ ቦራቶሪ ኣካይዱ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ ሰለስተ ሰባት ከምዝተረኸቡ ተረጋጊፁ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ በዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት 29 በፂሑ ኣሎ።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰለስተ ሰባት ኩሎም ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑ እውን ተገሊፁ።

እታ ሓንቲ ውለቀሰብ ጓል 33 ዓመት ሰበይቲ እንትትከውን፥ ታሪኽ ጉዕዞኣ ድማ ጅቡቲ፣ ብራዚል፣ ህንዲን ኣብ መወዳእታ ድማ ኮንጎ ብራዛቢል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ምልክት እቲ ቫይረስ ብምርኣያ ድማ ኣብ ፈሊኻመፅንሒ እናሃለወት ብዝተገበረላ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኸፈት ክረጋገፅ ክኢሉ ኢዩ።

እቲ ካልኣይ ውልቀሰብ ወዲ 26 ዓመት እንትኸውን፥ ምስ ዝተፈላለዩ ተጓዓዝቲ መገደኛታት ርክብ ዝነበሮን ምልክት እቲ ቫይረስ ስለዘርአየ ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ኮይኑ ብዝተገበረሉ ምርመራ ላቦራቶሪ እቲ ቫይረስ ከምዘለዎ ክረጋገፅ ክኢሉ።

እቲ ሳልሳይ ድማ ወዲ 32 ዓመት ኮይኑ ቅድም ክብል በቲ ቫይረስ ምስ ዝተለኸፈ ሰብ ርክብ ዝነበሮን ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ኮይኑ ክትትል እናተገበረሉ ዝነበረን እንትኸውን ብዝተገበረሉ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ምላካፉ ተረጋጊፁ ኢዩ።

ሰለስቲኦም ሰባት ኣብ ፈሊኻ መውሃቢ ሕክምና ሓገዝ እናተገበረሎም ምዃኑ እውን ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ካብዚብተወሳኺ ምስቶም ሰባት ንኽክእ ዝነበሮም ካልኦት ሰባት ናይ ምፍላይ ስራሕቲ እናተሳለጠ ከምዝርከብ ኣብሪሀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.