Fana: At a Speed of Life!

ባህሊ፣ ክብሪን ስነ-ምግባርን ሓደ ማሕበረሰብ ንምሕላው ወለዶ ባህሉን ክብሪታቱን ክመሃር ይግባእ – ከንቲባ አዳነች

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባህሊ፣ ክብሪን ስነ-ምግባርን ሓደ ማሕበረሰብ ንኽሕሎ ወለዶ ባህሉን ክብሪታቱን ምምሃር ከምዝግባእ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

መበል 14 ከተማ ሓቆፍ ፌስቲቫል ባህሊ “ባህሊታትና መሰረት ሓድነትና!” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸባ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ÷ ባህሊ መንነት ሓደ ሕብረተሰብ ዝቕደሐሉ ከምኡ እውን ሓደ ማሕበረሰብ ምስ ካሊእ ማሕበረሰብ ምትእስሳር ዝፈጥረሉ ጥንኩር ገመድ ከምዝኾነ ገሊፀን።

“ኢትዮጵያ ብብዙሕ ባህሊን ብዝሃ መንነትን ዝተሃነፀት ጥንክርቲ ሃገር ኢያ” ክብላ እውን ገሊፀን፡፡

መግለፂት ብዝሃ መንነትን ባህሊን ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውሽጣ ዝሓዘቶም ውቁባት ባህላዊ ክብሪታት ዕድል ስራሕ መፍጠሪን ኣታዊ ዘምፅኡን ብምግባር ምጥቃም ከምዝግባእ እውን ኣገንዚበን፡፡

ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ቀጀላ መርዳሳ ብግደኦም÷ ብዝሃ ባህሊን ቋንቋታትን ህዝቢታት ኢትዮጵያ መንነቶም ሓሊዮም ተደጋጊፎምን ተኣሳሲሮምን ንኽነብሩ ዘኽአሉ ዘኹርዑ ሓድጊታት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.