Fana: At a Speed of Life!

ባህሊ ዴሞክራሲ ንክጉልብትን ዘላቒ ሰላም ንክነግስን ክንሰርሕ ኢና-ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባህሊ ዴሞክራሲ ንክጉልብትን ዘላቒ ሰላም ንክነግስን ክንሰርሕ ኢና ክብል ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ገሊፁ።

እቲ ቤት ምኽሪ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣካላት ፈትሒ ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ተዛቲዩ።

ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ኣገኘሁ ተሻገር፥ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ኢትዮጵያ ባህሊ ዴሞክራሲ ንክጉልብትን ዘላቒ ሰላም ንክነግስን ክሰርሕ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ዜጋታት ኣተሓሳስባ ሕገ መንግስቲን ፌዴራሊዝምን ንክሰርፅ፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ክልላት ዝከፋፈል ናይ ሓባር ኣታዊን መንግስቲ ፌዴራል ንክልላት ዝህቦ ድጎማን ዝከፋፈለሉ ቀመር ብዝበለፀ ፍትሓዊ ንክኸውን ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።

ሕገ መንግስታዊ መሰለን ረብሓን ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ንክረጋገፅ፣ ኣብ መንጎ ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣብ ምፍቕቓድ ዝተደረኸ ሓድነት ሱር ንክሰድድን ንክጉልብትን ኣብ ምግባር ዝተባባዕ ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ምግላፆም ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.