Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ጀመርቲ ሰብ ዋና ፈጠራ ንምሕጋዝ 4 ቢሊየን ብር ከምዝሰለዐ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ጀመርቲ ሰብ ዋና ፈጠራ ንምሕጋዝ 4 ቢሊየን ብር ከምዝሰለዐ ኣፍሊጡ።

ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ዮሃንስ ኣያሌው÷ እቲ ባንኪ ሰብ ዋና ፈጠራ ንምሕጋዝ 4 ቢሊየን ብር ከምዝሰለዐን ሓገዝ እቲ ባንኪ ዝደልዩ ፈጠርቲ ስራሕ ብበዝሒ እንተመፂኦም ካብዚ ንላዕሊ ክብ ክብል ከምዝግበርን ኣብሪሆም፡፡

ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝመፅኡ ሓሳባት ፈጠራ መፅናዕታ ኣዋፃኣይነት ገይሮም ትልሚ ቢዝነስ ንኸቕርቡ ከምዝተነገሮም ገሊፆም።

ኣብ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ስትራቴጂ ትኩረት ካብ ሞንጎ ዝተውሃቦም ጉዳያት ሓደ ዘፈር ውልቀ ኣብ ዲጂታል ኢኮኖሚ ንኽሳተፍ ዘኽእል ምቹው ሃዋህው ምፍጣር ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.