Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ዓለም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ሽርክና ኣጠናኺሩ ከምዘቐፅል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ኩለ መዳይ ሽርክናን ምትሕብባርን ኣጠናኺሩ ከምዘቐፅል ኣፍሊጡ።

እቲ ባንኪ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ እዋናዊ ኩነታት ዝጠመተ መግለፂ ሂቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ጎንፂን ድርቅን ብሚሊየን ዝቑፀሩ ዜጋታት ኣዝዮም ከምዝተሃሰዩን ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ምዕባለ እዛ ሃገር ኣብ ፅዕንቶ ከምዝወደቐን ገሊፁ።

ስለዝኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ፀገም ንምፅዋርን ንምቕራፍን ባንኪ ዓለም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ሽርክና ኣጠናኺሩ ከምዘቐፅል ኣፍሊጡ።

ኣብ መላእ ሃገር ዘሎ ኩነታት ብቐረባ ይከታተል ከምዘሎን ኣብ ኢትዮጵያ ህንፀት ሰላም፣ ዕርቀ ሰነያን ዘላቒ ሰላምን ዘተባብዑ ጅማሮታት ንምድጋፍ ቁርፀኛ ከምዝኾነን ሓቢሩ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.