Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ ሓዊሱ ን30 ሃገራት ኣፍሪካ ንክታበት ኮቪድ19 ዝውዕል ሓገዝ ክገብር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ ሓዊሱ ን30 ሃገራት ኣፍሪካ ንክታበት ኮቪድ19 ዝውዕል ህፁፅ ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

እቲ ዝግበር ሓገዝ፥ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ በቲ ለበዳ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ዜጋታት ንምኽታብ ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ክሳብ ሕዚ ድማ ውሑዳት ሃገራት እታ ኣህጉር ንዜጋታተን ክታበት ኣቕሪበን ኢየን፡፡

ኣብ ውሽጢ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝርከብ ጥምረት ኮቫክስ ንውሑዳት ሃገራት ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ እቲ ክታበት እናብፀሐ ይርከብ፡፡

ኣቐባሊ ቓል እቲ ባንኪ፥ እቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ዕላዊ ምግባሩ ኣፍሊጦም፡፡

እቲ ገንዘብ ብሓገዝ ወይ እውን ብትሑት ወለድ ኣብ ነዊሕ እዋን ዝኽፈል ልቓሕ ዝወሃብ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

ኣብ ኣፍሪካ ክሳብ ሕዚ 100 ሺሕ ሰባት ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ህይወቶም እንትስእኑ፥ ካልኣይ ዙር ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ኣድማሱ እናስፈሐ ከምዘዝርከብ ሓበሬታታት ኣመላኺቶም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.