Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሽመት ሰለስተ ሚኒስትራት ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሽመት ሰለስተ ሚኒስትራት ኣፅዲቑ።
እቲ ባይቶ 5ይ ዘመን ስራሕ መበል 12 ስሩዕ ኣኼቡኡ ሎሚ መዓልቲ ኣሳሊጡ።

ኣብ ስሩዕ ኣኼብኡ ድማ ብቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ዝቐረቡሉ ሽመት ሰለስተ ሚኒስትራት ኣፅዲቑ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ ሚኒስትር ትምህርቲ፣ ኣይተ መላኩ ኣለበል ሚኒስትር ንግዲን ኢንዱስትሪን ከምኡ እውን ዶክተር ኣብርሃም በላይ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ኮይኖም ንኽሽወሙ ወሲኑ።

እቶም ዝተሾሙ ሓደሽቲ ሚኒስትራት እውን ኣብ ቅድሚ እቲ ባይቶ ቀሪቦም ቃለ መሓላ ፈፂሞም ኢዮም።

እቶም ሚኒሰትራት ካብ 6 ጥሪ 2012 ዓ.ም ጀሚሮም ዝተሸሙ እንትኾኑ፥ እቲ ሽመት ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ቅድሚ ምፅዳቑ ዕላዊ ምግባሩ ፀገም ኣካይዳ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ተላዒሉ፤ ኣብ ቀፃሊ እርማት ከምዝግበረሉ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.