Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ከምብሓዱሽ ንምጥያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብዝርዝር ንክረአ መሪሑ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ከምብሓዱሽ ንምጥያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብዝርዝር ንክረአ መሪሑ።

እቲ ባይቶ ኣብ ዘካየዶ መበል ሻምናይ ስሩዕ ኣኼባ፥ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብዝምልከት ሚኒስትር ተፀዋቀዒ መንግስቲ ኣይተ ተስፋዬ በልጅጌ ኣብሪሆም።

ኣብ መብርሂኦም፥ ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ዝተቐመጠ ኣንፈት ሪፎርም ንምዕዋት መፅናዕቲ እናካየደ ከምዝፀንሐ ገሊፆም።

እቲ ትካል ዘለዎ ልኡኽ ብዝግባዕ ንምውፃእ እቲ መመሓየሺ ኣዋጅ ከምዝቐረበ ድማ ሓቢሮም።

ኣብዛ ሃገር ዝፍፀም ኲናት ናይ ምምካት ከይዲ ብኣግባቡ እንተዘይተመሪሑ ብሄራዊ ድሕንነትን ረብሓን ንሓደጋ ክቃላዕ ከምዝኽእል ብምግላፅ፥ ዝህሉ ናይ ስነ ልቦና ኲናት ንምምካት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ ተግባራት ብላዕለዋይነት ዝመርሕን ዘተሓባብርን ትካል ንክኸውነ ስለዝተደለየ እቶም ተግባራት ዘመላኽት ድንጋገ ንኸካትት ተገይሩ ኢዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፁቡ።

ስለዝኾነ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ከምብሓዱሽ ንምጥያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ 7/2014 ብዝርዝር ንክረአ ብዋናነት ንቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ፣ ፈትሒን ዴሞክራሲን ብተሓባባሪነት ድማ ንኮሚቴ ርክብ ወፃኢን ሰላምን ብሙሉእ ድምፂ መሪሑ ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.