Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፅባሕ ኣብ ዘሳልጦ ኣኼብኡ ሰብ ናይ ምንጋድን ብዘይሕጋዊ መገዲ ዶብ ምሽጋርን ብዝምልከት ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዓሊሙ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ከፅድቕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ፅባሕ መበል ሓምሻይ ዘበን ስራሕ ዓስራይ ስሩዕ ጉባኤኡ ከሳልጥ ኢዩ።

ኣብቲ ዝካየድ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘተ ብምክያድ ውሳነታት ከሕልፍ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ፣ ፍትሕን ዴሞክራሲን ከምኡ እውን ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ደቂ ኣኒስቲዮ፣ መናእሰይን ማሕበራዊን ሰብ ናይ ምንጋድን ብዘይሕጋዊ መገዲ ዶብ ምሽጋርን ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝተዳለወ ረቂቕ ኣዋጅ ኣመልኪቶም ዘቕርብዎ ፀብፃብን ውሳነ ሓሳብን ብምምርማር ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ከምኡ እውን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዘቕርቦ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከዳምፅ ኢዩ ተባሂሉ።

ሰብ ናይ ምንጋድ፣ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዶብ ምሽጋርን ንስራሕ ናብ ወፃኢ ሃገር ምልኣኽን ኣብ ልዕሊ ኣካል፣ ህይወትን ድሕንነትን ዜጋታት ልዑል ጉድኣት የብፅሕን ንግህሰት ሰብኣዊ መሰል የጋልፅን ምህላዉ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ንኽሰናዳእ መበገሲ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ከምኡ እውን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘዳለዎ ብፍላይ ደቂ ኣኒስቲዮን ህፃናትን ምንጋድ ንምክልኻል፣ ንምቁፅፃር፣ ፈፀምቲ ገበናት ንምቕፃዕን ሰብ ብዘይሕጋዊ መገዲ ብመሬት፣ ባሕሪን ኣየርን ናብ ሃገራት ወፃኢ ምልኣኽን ናብ ዓዲ ውሽጢ ምእታውን ንምክልኻል ዘኽእል ኣሰራርሓ ኢትዮጵያ ዘፅደቐት ስለዝኾነት እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ከምዝተሰናደአ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.