Fana: At a Speed of Life!

ባይደንን ፑቲንን ኣብ ጉዳይ ኒኩሌር ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣድሂቦም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ሓዱሽ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ምስ ሩሲያ መዘነኦም ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ጉዳይ ኒኩሌር ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣድሂቦም ንፈለማ እዋን ብስልኪ ተዛቲዮም።

ባይደን ኣብ ዘተኦም ጉዳይ ተቓዋሚ ኣመራርሓ እታ ሃገር ዝኾኑ ኣሌክሲ ናቫልኒ እውን ዝምልከት ዛዕባ እውን ኣልዒሎም፡፡

ብዛዕባ ጉዳይ ዩክሬን፣ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኢድ ኣእታውነት መረፃን ካልኦት ጉዳያትን ምልዓሎም እውን ተገሊፁ፡፡

ፕሬዚዳንት ፑቲን ብግደኦም ፕሬዚዳንት ባይደን ኣብ መረፃ ኣሜሪካ ብምዕዋቶም “ዕንኳዕ ደስ በለኩም” ከምዝበሉዎም ተሓቢሩ፡፡

ክልቲኦም መራሕቲ ካብ ዘልዐሉዎም ዋና ዋና ጉዳያት ጉዳይ ስምምዕነት ኒውክሌር ሓደ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ንኽዛዘም ሰሙናት ተሪፎምዎ ዝነበረ ስምምዕነት ኒውክሌር ክልቲአን ሃገራት ንምንዋሕ ምውሳኖም ተገሊፁ፡፡

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓለም ልዑል መጠን ኒውክሌር ዝጥቀማ ብምዃነን፥ እቲ ስምምዕነት ንምንዋሕ ምውሳኖም ዓቢዪ ተስፋዝህብ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ፍልፍል፡- ቢቢሲን ዘ ሞስኮ ታይምስ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.