Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ ኣኼብኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል 77 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ምምሕዳርን ስርዓት ኣመራርሓን ፕሮጀክትታት መንግስቲ ንምውሳን ኣብ ዝወፅአ ረቂቕ ኣዋጅ ተዛቲዩ።

እቲ ረቂቕ ኣዋጅ፥ ኣካላት መንግስቲ ኣብቲ ፕሮጀክት ዘለዎም ሓላፍነት ብግልፂ ብምርኣይ ተሓታትነትን ግልፀኝነትን ንምንጋስ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ ኣብ ምምሕዳርን ስርዓት ኣመራርሓን ፕሮጀክትታት መንግስቲ ዝረኣዩ ፀገማት ንምቕራፍ ዘኽእል እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ሀዝቢ ነክፀድቕ ውሳነ ተመሓላሊፉ።

ብተወሳኺ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ናይ ሎሚ ውዕልኡ ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ንምስሓበ ዘኽእል ኣዋጅ እውን ተዛቲዩ።
ስለዝኾነ ኣብቲ ረቀቕ ኣዋጃ ድሕሪ ምዝታይ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክፀድቕ ተመሪሑ ኣሎ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት፥ ብሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝቐረቡ ዝተፈላለዩ ስምምዕነታትን ረቀቕቲ ኣዋጃትን፣ ኮርፖሬሽን ማእድን፣ ነዳድን ባዮ ፊውልን ኢትዮጵያ ከምብሓዱሽ ንምጥያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ተዛቲዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.