Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ኣርባዕተ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ መበል ሻምናይ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ኣርባዕተ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ስልጣንን ተግባርን ኣካላት ኣፈፀምቲ ስራሕ ፌዴራል ንምውሳን ኣብ ዝወፅአ ኣዋጅ ቁፅሪ 1263/2014 ብዝምልከት፥ ኣፈፀምቲ ትካላት ኣብ ቀፃሊ ክፍፅም ዝግባእ ኣንፈት ብዝቐረበ ውሳነ መሰረት ተዛቲዩ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

መበረታትዒ ኢንቨስትመንት በዝምልከት ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ ዝተዛተየ እንትኸውን፥ ብፍላይ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምስሓብ ዘኽእል ምቹው ኩነታት ብምፍጣር ካፒታል ወፃኢ ንምዕባለ ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ብሓፈሻ ንምምሕያሽ ማሕበራዊ ናብራ ኣስተዋፅኦ ምግባር ዘኽአል መሰረት ምንባር ዝግባእ ምዃኑ ኣብ ግምት ምእታው ከምኡውን ዝተውሃበ መበረታትዒ ንዝተቐመጠሉ ዕላማ ምውዓሉ ምርግጋፅ ዘኽእል ሰርዓት ዝዝርግሕ ረቂቕ ኣዋጅ ተዳሊዩ ቀሪቡ።

እቲ በቤት ምኽሪ ኣብቲ ደንቢ ዘተ ድሕሪ ምግባር ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅኣሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንክውዐል ወሲኑ።

ቀፂኡ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ጉምሩክ ዘተ ዝተገበረ እንትኸውን፥ እታዎታት ብምውሳኽ ካብ ሎሚ 13 ግንቦት 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንክውዕል ወሲኑ።

ኣብ መወዳእታ ስልጣንን ተግባርን ኣወዳድባን ሰብ መዚ ትምህርቲን ስልጠናንን ንምውሳን ኣብ ዘወፅአ ረቂቕ ደንቢ ብምዝታይ እታዎታት ወሲኹ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅኣሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንክውዐል ወሲኑ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.